ጎጆ - Gojo

ጎጆ - Gojo ጎጆ ሚዲያ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ዘጋውሕ ድምፂ ህዝቢ ! ብራና ትግራይ ናትኩም አማራፂ ሚዲያ
(1)

ናትና ነገር ! ~~~~~~ተጋሩ ዲያስፓራ ብ 2021 አቆፃፅራ ፀዓድ   ብበረድን ብፃሓይን እላተወቁዑ ንመንግስቲ አሜሪካ ብዝገበርዎ ፀቅጢ  አብ ልዕሊ ሻዕብያ ተነቢሩ ዝነበረ  ማዕቀብ  ተላዒ...
18/09/2026

ናትና ነገር !
~~~~~~
ተጋሩ ዲያስፓራ ብ 2021 አቆፃፅራ ፀዓድ ብበረድን ብፃሓይን እላተወቁዑ ንመንግስቲ አሜሪካ ብዝገበርዎ ፀቅጢ አብ ልዕሊ ሻዕብያ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ተላዒሉ አሎ ።

ባች 😂 ፤ ~~~~ ብቅዓት ተሰኢንዎ አብ ኢድ ሸዓብያ ዝወደቀ ዉድብ ተባሂሉ ይስተኻኸል ?~~~~~~~~~~~ግርማይ ጠስሚ ካብ ሓሸንገ
17/09/2026

ባች 😂 ፤
~~~~
ብቅዓት ተሰኢንዎ አብ ኢድ ሸዓብያ ዝወደቀ ዉድብ ተባሂሉ ይስተኻኸል ?
~~~~~~~~~~~
ግርማይ ጠስሚ ካብ ሓሸንገ

17/09/2026

ጀግና ማለት ንዓኹም ከመይ ዝበለ እዮ ?

አንታ በጃኹም ግደፍኒ !~~~~~~~~~~እዚ አብ ስእሊ ዘሎ  ሓውና አብዚ ቀረባ ግዜ  ብሰራዊት ሱዳን ካብ አርሚ 70  ዝተማረኸ  ሓደ እዮ ።   ብሰራዊት ሱዳን ከም ዝተማረኸ ዝሕበረሉ ዘሎ...
17/09/2026

አንታ በጃኹም ግደፍኒ !
~~~~~~~~~~
እዚ አብ ስእሊ ዘሎ ሓውና አብዚ ቀረባ ግዜ ብሰራዊት ሱዳን ካብ አርሚ 70 ዝተማረኸ ሓደ እዮ ። ብሰራዊት ሱዳን ከም ዝተማረኸ ዝሕበረሉ ዘሎ ሓውና አፍቲ Video " አንታ በጃኹም ግደፍኒ " ክብል ይስማዕ ። ትዝገርም
ትግራዋይ አብ ኺናት ሱዳን አቲዮ ዘዋግእ ወይ ዘማርኽ እንታይ ምኽንያት አለዎ ? ብዝኾነ ዝሸጡኻ እኻ ልሕብረካ የለይዋ መዋፅኦ ይፈጠረልካ ወድኖ !

ታሪክ እንደርቶት ብጭልፍታ ~~~~~~~~~~~~~~እንደርታ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ትግራይን ዓብዪ ጽልዋን ረዚን ስፍራን ዘለዎ ጥንታዊ ኣውራጃ እዩ። እቲ ዞባ ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ላዕለዋይ ምድ...
16/09/2026

ታሪክ እንደርቶት ብጭልፍታ
~~~~~~~~~~~~~~
እንደርታ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያን ትግራይን ዓብዪ ጽልዋን ረዚን ስፍራን ዘለዎ ጥንታዊ ኣውራጃ እዩ። እቲ ዞባ ኣብ ምብራቓዊ ወሰን ላዕለዋይ ምድሪ ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፣ ብፖለቲካ፣ ብቑጠባ፣ ብባህልን ብወተሃደራዊ ሓይልን ዓበይቲ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዘሕለፈ እዩ ።
ቀንድ ታሪኻዊ መድረኻትን መለለዪታትን እንደርታ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

1. ጥንታዊ ታሪኽን ስልጣነ ኣክሱምን
• ቅርስታት ኣክሱም፦ ታሪኽ እንደርታ ምስ ጥንታዊ ስልጣነ ኣክሱም ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ኲሓ (Qwiha) ብግዜ ኣክሱም ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ማእከላት ምንባሩ ይንገር።

2. ማእከል ፖለቲካን ስልጣንን (መበል 18ን 19ን ክፍለ ዘመን)
• ዘመን ራስ ወልደስላሴ፦ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመንን መእተዊ መበል 19 ክፍለ ዘመንን፣ እቶም ሓያልን ህቡብን መራሒ ትግራይ ዝነበሩ ራስ ወልደስላሴ፣ ވެን መንበሪኦምን ማእከል ስልጣኖምን ኣብ እንደርታ እትርከብ ሕንጣሎ (Hintalo) ገይሮምዋ ነይሮም። ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት (ብፍላይ ዓባይ ብሪጣንያ) ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመሩ መሪሕ እዮም ነይሮም።
• ንጉሠ ነገሥት ዓፄ ዮሓንስ 4ይ፦
እቶም ፍሉጥ ናይ ኢትዮጵያ ንጉሠ ነገሥት ዓፄ ዮሓንስ 4ይ (ካሕሳይ ምርጫ) ወላዲቶም ካብ እንደርታ እዮም። ንሶም ናብ ስልጣን ምስ መጹ፣ ርእሰ ኸተማ መንግስቶም ኣብ ልቢ እንደርታ ናብ እትርከብ መቐለ ብምቕያር፣ ዓብዪ ቤተ-መንግስቲ ኣስሪሖም

3. ቁጠባን መስመር ንግዲ ጨውን
• ንግዲ ዓርሆ (ባዓልጋዳ)፦ እንደርታ ምስቲ ካብ ዓፋር (ደናክል) ዝመጽእ ዝነበረ ናይ ጨው ንግዲ (ዓሙሌ) ቀጥታዊ ምትእስሳር ነበሮ። እቲ ጨው ንምምጻእን ንምቁጽጻርን ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ንግዲ ጉዕዞ (ካራቫን) ናይ ምምራሕን ቀረጽ ናይ ምስባስን ሓላፍነት ናይ እንደርታ ገዛኢ እዩ ነይሩ፤ እዚ መዓርግ እዚ ድማ "በዓልጋዳ" ይበሃል ነበረ።

4. ሓርበኝነትን ቀዳማይ ወያነን (1943)
• ቃልሲ ሰብዓ እንደርታ፦ ኣብ 1943 ዓ.ም. (ቀዳማይ ወያነ) ህዝቢ እንደርታ ምስ ካልኦት ናይ ትግራይ ኣውራጃታት (ተምቤን፣ ራያ፣ ክልተ ኣውላዕሎ) ብምዃን ኣንጻር እቲ ማእከላዊ ስርዓት ዓብዪ ናይ ሕዝቢ ዕልዋ ኣካይዱ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ "ገረብ" ዝበሃሉ ናይ ዓዲ ባይቶታት ብምቛም ባዕሎም ይምሓደሩ ነበሩ።

5. ባህላዊ ስርዓት ዕርቅን ዳኝነትን (ዕርቂ እንደርታ)
• ስርዓት ኣቦ ገረብ፦ እንደርታ ብባህላዊ ናይ ሰላምን ዕርቅን ስርዓቱ ኣዝዩ ፍሉጥ እዩ። "ዕርቂ እንደርታ" (ወይ ስርዓት ኣቦ ገረብ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃገር-በቆል ናይ ግጭት መፍትሒ ስርዓት፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሉጽ ሃገር-በቆል ስርዓት ዕርቂ ኮይኑ ተሓርዩን ዓብዪ ኣፍልጦ ረኺቡን እዩ።

N.B ኣብዚ ሕጂ እዋን እንደርታ ብሰፊሕ ኣውራጃነቱ ተሪፉ፣ ኣብ ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝርከብ ወረዳ ኮይኑ ኣሎ።

16/09/2026

ሸዓብያ ልቡ ከተርክስ ኢሉ ፤ ሰቃይ ህዝቡ ፤ ብ 30 ዲናር ዝሸጠ መራሒ !
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
እዚ ዘረባ እዚ ብታሪክ አብ ፀሊም መዝገብ ተሰኒድ አሎ

15/09/2026

ንሳ ድያ ?
~~~~
እታ አዶ ከምኡ ድማ እቲ ቆልዓ ( አሌክስ) ብዕሊ እካ እንተዘይፈለጥኩዎ ግን እታ አዲኡ አብ ማሕበራዊ ሚዲያ መንአሰይ እንዳጠቆመት ከም ተግፍፍ ይዝረብ አሎ ። ኮይኑ ግና እታ አዶ አብ ከምዝታት ከምዘይወዓለቶ እንተተዛረበት ፤ አብ ማሕበራዊ ሚዲያ " ፅምዶ ሰንዓፈ " ዝኸዳ ልምዓት ጉጅለ ( መዳኽርቲ ) ዘርኢ Video ተለቂቁ አሎ ። አብቲ Video ዘላ ሰበይቲ ንሳ ድያ ።
አረጋይ ሓንጎዳ ካብ ሰለኽለኻ

ሰብ ታሪክ እከይ !~~~~~~~~ቡዙሓት ፓለቲከኛታትት ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ስለ ዘለዎም ናብ ስልጣን እንትወፁ ስብእኖኦም ህሊኖኦምን ይሸጡ ። ምኽንያቱ እቲ ዝሓዝዎ ስልጣን ዘይድሩት ናይ ኢኮኖሚ...
15/09/2026

ሰብ ታሪክ እከይ !
~~~~~~~~
ቡዙሓት ፓለቲከኛታትት ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ስለ ዘለዎም ናብ ስልጣን እንትወፁ ስብእኖኦም ህሊኖኦምን ይሸጡ ። ምኽንያቱ እቲ ዝሓዝዎ ስልጣን ዘይድሩት ናይ ኢኮኖሚ ሂወት ስለዝመርሑ ። እዚ ሙቹው ሂወት ንዘይምስአን ህሊና ይሽወጥ፤ ሓቂ ይቅበር፤ ድምፂ ህዝቢ ይዕበስ፤ መፅባዓታት ህዝቢ ይጥለም ምኽንያቱ እቱ ሙቹው ሂወት ንዘይምስአን !

ኮይኑ ግና ገና ናብ ስልጣን ከይወፁ ከለው ሓቅን ሚዛናውን አተሓሳስባ ስለ ዘለዎም ኩሉ ግዜ አብ ርትዕን ፍትሕን ጠጠው እዮም ዝብሉ ። እዚ ድማ ከም መርአያ ኪዳነ አመነ ምውሳድ ይከአል። ኪዳነ አመነ አብ 2012 አብ ወድብ ባይቶና ላሃለወ በቲ ሽዑ ዋላ እካ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ተሃለዎ በቲ ሽዑ ዘቅርቦ ዝነበረ ሱር ቦቀል ፓለቲካዊ ለውጢ ፣ ህዝቢ ትግራይ ይጠልብ ከም ዘሎ ከም ሓሳብ የቅርብን ፣በቲ ዘሎ ስርዓት ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ናብ ዘይወፆ ዓዘቅቲ ከም ዝአቲ ይዛረብ ነይሩ ። ብሓፈሻ ድምፂ ህዝቢ ነይሩ ።

ከዚ ግን እዚ የለን ! መንእሰይ እላተገፈፈ ላረአየ ዓይኑ ምርአይ አቢዎ ። መንእሰይ ካብ ግፋ አምሊጡ ብጥይት እትርሸን እዙኑ ጠሊምዎ ፤ አዴታት ደቅኽን አምፅአ ተብሂለን እንትእሰራ ልጋም ፍትሒ ጠፊእዎ፤ ከዚ ኪዳነ አመነ ኩሉ ነገር ተሰዊርዎ እዮ ዘሎ ። ከም ሬድዮ አብ ሚክሰር ዝተፀዓነሉ ዝዛረብ ኮይኑ አሎ !

ሓደ ስርዓት ህዝቢ ንምግዛእ፣ ንምፍርራሕ ወይ ንምጭቋን ብረት እንተጠምዚዙ፣ ታሪኽ ኣይኮነን ጥራይ ዝጎድእ—መንነትን ድምጽን ህዝቢ እውን ይጎድእ።

ግን ታሪኽ ኣይርሳዕን። ድምጺ ዝተጨቆነ ህዝቢ እውን ኣይጠፍእን። ሓቂ ንግዜኡ ክትሽፈን ትኽእል፣ ንዘልኣለም ግን ክትቀበር ኣይትኽእልን።

ስርዓታት ይልወጡ፣ ስልጣን ይሓልፍ፣
ታሪኽ ግን ይተርፍ። እቲ ህዝቢ ዝሓለፎ ጭቆና ድማ፣ ሓቂ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ይቕጽል።

ተስፋይ ማጉላ ካብ እንትጨው

እቲ ቱሑትን ሙቁሉሉን መንእሰይ ጌታቸው ታደሰ ዓሪፉ 😭~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~መንእሰይ ጌታቸዉ ታደሰ ኣብ ከተማ መቐለ  ቀበሌ 03 ተወሊዱ ልዓበየ   መንእሰይ እዮ ።  ...
15/09/2026

እቲ ቱሑትን ሙቁሉሉን መንእሰይ ጌታቸው ታደሰ ዓሪፉ 😭
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
መንእሰይ ጌታቸዉ ታደሰ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 03 ተወሊዱ ልዓበየ መንእሰይ እዮ ። መሓዙቱን ናይ ቀረባ አዕርኹቱ ትሑቱን ምቅሉሉን ምኻኑ ይምስክሩ ። ጌች ሓሚሙ ድሕሪ ምፅኑሑ ትማሊ ከም ዝዓረፈ ሰሚዒና ።
መንግሰተ ሰማያት የዋርስ
አባላት ጎጆ ሚዲያ ብ ሞት ሓውና ጌች ዝተሰመዐና ሓዘን እናገለፅና ፅንዓት ንመላእ ስድራን መሓዙቱን ንምነ ! 😭😭😭

14/09/2026

ገና ክንብቀለኩም ኢና
~~~~~~~~~~
ሓደ ናይ ሸዓብያ ስርዒት ብ inbox ነዛ Video ሰዲድለይ ። እዛ Video ከፃርያ ከም ዝፈተንኩ አብ Tigray TV ቅድሚ 3 ዓመት ሙሩኻት ሸዓብያ ከም ዝኾኑን ብተወሳኺ ድማ አብ ኤርትራ ዘሎ መላአምታ ዘይብሊ ግፋ ከም ዝኾነን አዴታት ይነብዓን መንእሰይ ይስደድ ከም ዘሎ ዝገልፅ Video እዮ ። እቲ ናይ ሸዓብያ ስርዒት ከምዚ ኢሉኒ ። አብ ትግራይ ድሕር ሕጂ University ክህልዋ ኢልኹም ከይትሓስቡ! እታ ን 30 ዓመት ኤርትራ ደኻዕኻዕ ከም ዘበልኩምዋ ዶኻዕኻዕ ክነብለኩም ኢና ። አብ ፕት ኢሳያስ ዝወደቀ መራሒ እንታይ ከም ዝረክብ አብ ዝሓለፈ ዝሰሓንኩምዋ ይመስለኒ ። ገና ድማ መንከራኹም ክቅፅል እዮ ኢሉኒ ! ገና ድማ እቶም መራሕትኩም ሸዓብያ ድዮም ኢልኩም ምፍላይ ክሻብ ዝሰአነኩም ክነርኤኩም ኢና ! ሸዓብያ ድሕር ሕጂ ዝትኩሶ ነገር የለን። ተኮስትኹም መራሕትኩም እዮም ! አንቱም ውዒግናት ኢሉኒ ።
ውዒግን ኸ ታይ እዮ አሕዋት ?

Address

Addis Abeba

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጎጆ - Gojo posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share