26/07/2026
ን’ዝሓለፈ 2 ዓመት ኣብዚ ቡፈ ኤሪ ዝበሃል ቻነል ብ'ሜሮን ዝዳሎ ብ'ብዝሒ ካብ ዝተኸታተልክዎ ቡዙሕ መደባት ኣለዉ።
ሜሮን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ፍጻሜታት እዩ ዘቅርብ፡ ሎሚ ግን ብፍሉይ ዝመሰጠኒ እተ ሃልዩ ሓደ ዓቢ ፕሮጀክት ብ'ኤርትራዊያን ዝካየድ ዘሎ ዝተባህለ ነቶም ብዕላል ጥራይ ንፈልጦም ዓበይቲ Corporation Company ዝመስል ትካል ተመስሪቱስ እቲ ዝፈትዎን ብዙሕ ዝከታተሎን ብሉጽ ሰብ ሜሮን ኣካል ናይ መደቡ ጌሩ ክልተ ቪዶታት ሰሪሑ ገምጋም ክገብረሉ ክርኢ ከለኹ ከም ሓደ ዜጋ ኣዝዩ ይሕጉሰኒ። ሜሮን ሓወይ ከኣ ብፉሉይ ከመስግነካ ይደል፡ ኣብቲ ቀዳማይ ቪድዮ ዝሰራሕካዮ ሰብ ኣብ ጌጋ ወፍሪ ንከይኣቱ ዝሕግዝ ሓሳባት ኣካፊልካ፡ ሕጂ ከኣ ኣብዚ ካልኣይ ቪድዮኻ ኣብ ሞንጎ ኣብ ሞንጎ ኣውፈርትን ዝግበር ውዕል ብኸምዚ መንገዲ ክትገልጾ ምኽኣልካ ደስ ይብል። ብተወሳኺ ከኣ ን'ኣካየድቲ ዓቢ ክብሪ ኣለኒ፡ ዓለምና ብሓያል ፍጥነት ናይ ምዕባለ ትጋዕዘሉ ኣብ ዘላ እዋን ሓደ ዓቢ Corporation Company ከፊቶም ንልዕሊ 2000 ሰባት ናይ ወፍሪ ዕድል ክኸፍቱ ምኽኣሎም ዓቢ ክብሪ ይግበኦም።
ናይ ክሊቲኤን ቪድዮታት ኣብዚ ታሕቲ ሊንክ ገዲፈልኩም ኣለኹ እቶም ዘይተኸታተልኩመን ክትካታተልወን የዘኻኽር፡ ከም ሜሮን ዝተፈላለየ መሃሪ መደባት ተዳልዉ ሰባት ከኣ ሪኢተኹም ክትህቡሉ ተስፋ ይገብር።
Part 1: https://youtu.be/g-0c1jncOmQ?si=MFh5zvsb-0EmvsIl
Part 2: https://youtu.be/lujiY462bRQ?si=74I1v3qbgV48Zc-C
Alloy Website: https://alloybridgegroup.com/