DW International TV

DW International TV DW International TV is managed by DW International LLC. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited.

04/07/2026
04/07/2026
04/07/2026

ሰሙነ ሕማማት ሰሉስ - መዓልቲ ሕቶ -መዓልቲ ትምህርትን !!

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንረኽባ ዕለተ ሰሉስ፥ ኣይሁዳውያን ሕግን ሓቅን መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸስሱሉ ገበን ክረኽቡ ኢሎም የቕርብዎም ዝነበሩ ሕቶታት ዝዝከሩላ ዕለት ስለ ዝኾነት "መዓልቲ ሕቶ" ተብሂላ ከም ትፅዋዕ ሊቃውንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ይገልፁ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዕለተ ሰሉስ ብዛዕባ ስልጣኑ ብፀሓፍትን ብፈሪሳውያን ዝተሓተተሉ ስለዝኾነ መዓልቲ ሕቶ ይበሃል፡፡ ነቲ ዝሓተትዎ ሕቶ መስቀለኛ ሕቶ መሊሱ ብምሕታት ምላሽ ከምዘስአኖም መፅሓፍ ቅዱስ የረድእ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ-መቅደስ ይሸጡን ይዕድጉን ንዝነበሩ ኩሎም ብምብራር ዕለተ ሰኑይ ብዝገበሮ አንፅሆተ ቤተ መቅደስ: ሰሉስ ብዛዕባ ስልጣኑ ብፀሓፍት ፈሪሳውያን ተሓቲቱ፡፡

ኣይሁዳውያን ብትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ይቐንኡን ኹሉ ሰብ ይስዕቦ ኣሎ ኢሎም ይሓሙ ስለ ዝነበሩ ከቢድ ዝበልዎ መስቀላዊ ሕቶ ፣ «በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ ትገብር ዘለኻ? እዚ ስልጣን እዚ መን ሃበካ» ኢሎም ሓተትዎ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብኽፍኣት ከምዝመፁ ፈሊጡ «ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም! ነዚኣ እንተነጊርኹምኒ ኣነ ድማ በየናይ ስልጣን እዚ ከምዝገብር ክነግረኩም እየ! ጥምቀት ዮሐንስ ካበይ እያ? ካብ ሰማይ ዶ ወይስ ካብ ሰብ» ኢሉ ሕቶኦም ብሕቶ መለሰሎም:: ንሳቶም ግና ነዚ ናይ ጎይታ ሕቶ ክምልሱ አይደፈሩን::

ንሳቶም ከዓ "ካብ ሰማይ" እንተ ኢሎም "ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?" ከም ዝብሎም፥ "ካብ ሰብ" እንተ ኢሎም ህዝቢ ከም ዘይቕበሎም ስለ ዝተረድኡ ካብዚ ከቢድ ሕቶ ዘምልጡሉ "ኣይንፈልጥን" ዝብል ቀይናን መልሲ መሊሶሙሉ። ንሱ ድማ "ኣነ እውን ብኣየናይ ስልጣን፥ ነዚ ነገራት እዚ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን።" በሎም።

ምሲ'ዚ ተተሓሒዙ ሰሉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተመቕደስ ንብዙሕ ህዝቢ ነዊሕ ትምህርቲ ስለዘምሃረ ቅድሚ ምስቃሉ ናይ መወዳእታ ስብከቱ " መዓልቲ ትምህርቲ" ተባሂላ ከም እትፅዋዕ ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን የረድኡ።

ብመሰረት ትምህርቲ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትና ፦ ኣብ ሰሙነ ሕማማት፣ ካህናት መስቀል ኣይሕዙን፤ ንምእመናን'ውን መስቀል ምስላም ኽልኩል እዩ ፤ ንስሐ አይወሃብን፣ ንዝተወለዱ ጥምቀት ፣ ንዝሞቱ ፍትሓት አይግበርን። ሰብ እንተ ሞይቱ'ውን ስርዓተ ፍትሓት ኣይፍፀመሉን። ብምስዕዓም ሰላምታ ኣይለዋወጥን ፤ ብዘይ ሓሙስ ቅዳሴ ኣይቕደስን ይብሉ።

# ገብሩ ተኽላይ

04/07/2026
04/07/2026

Subscribe ይግበሩ! # ይግበሩ!©Copyright: Dimtsi Weyane Television | ድምፂ ወያነ ቴሌቪዥን Any unauthorized use, c...

Address

Washington D.C., DC
20037

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when DW International TV posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to DW International TV:

Share

Category